መብጻዓ ኣብ ግብሪ ምውዓል

ምዕራፍ (9) ካብ መጽሓፍ መለለይ ጠባይ ናይ ሓደ ኣስላማይ

መብጻዓ ኣብ ግብሪ ምውዓል

መብጻዓ ምትግባር ሓደ ካብቲ ቀንዲ ክፋል መለለይ ጠባይ ናይ ኣስላማይ እዩ።ሓደ ኣስላማይ እንተዳኣ ሓላፍነት ናይ ሓደ ነገር ተሰኪሙ:እተሰከሞ ሓላፍት ኣብ ተግባር ከውዕል ናይ ግድን ይኸዉን። ንዝኾነ ዝኣተዎ ውዕል ከኽብር ከኣ ኣለዎ።እንተዳኣ ሓደ ነገር ክገብሮ እየ ኢሉ ተማባጺዑ:ብሓቂ ናይ ምትግባር ኒያ ክህልዎ ይግባእ ክሰርሖ ኢሉ ውዕል ዝኣተወሉ ካብ ምፍጻም ድሕር ክብል ካኣ የብሉን።