ናይ ኣስላማይ መለለይ ጠባይ

ሞራላዊ ጠባያትና ንመላእ ሕብረተሰብ ከነመሓላልፈሉ ይግባእ

ሞራላዊ ጠባያትና

ነፍስወከፍ ሃይማኖት ካብ ካልእ ሃይማኖታት ዝፍለየሉ ናይ ገዛእ ርእሱ መለለይ ጠባይ ኣለዎ። ኣብ ምስልምና ዝተወሰነ እሞ ብተደጋጋሚ ብኣመንቱ ዝትግበር ቅጥዒ ተግባራት ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ።ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ምስልምና ገለ ገለ ወግዕታት ዝውቱር ኮይኑ ምስቶም ዘይኣስላም ዝምድና ዘይብሉ ከምዘሎ ኻኣ ምግንዛብ የድሊ።ግን ሞራላዊ ጠባያት ናይ ምስልምና ኣብዚ ሓጺር ደረት ዝተሓጽረ ኣይኮነን።ግን ንሰፊሕ ዝኾነ መዳያት ዘጠቓለለ እዩ።

ኣስላማይ ጽቡቕ ጠባይ ኣማሊኡ ክኸይድ ሓላፍነቱ ከምዝኾነ ብዘይ ምርሳዕ ምስቶም ዘይኣስላም ዜጋታት ደቂ ሃገሩ ብጽቡቕ ጠባይን ኣቀራርባን ክቐርብ ብእስልምና ይሕተት።ነፍስወከፍ ኣስላማይ ምስቶም ዘይኣስላም ፍትሓዉን ሓቀኛን ክኸዉን ኣገዳሲ እዩ።ብተዛማዲ እዉን ጽቡቕ ጠባይ ከም ዘካት(ምጽዋት) ምሃብን መብጻዓኻ ምሕላዉን ይቕረ ምባልን ከምኡዉን ለውሃትን ምትሕግጋዝን እዚ ዝተጠቕሰ ጠባያት ምስ ኣስላም ኮይኑ ዘይኣስላም ኣብ ዝካየድ ምቅርራብ ኣብ ግምት ብምእታው ብሓደ መልክዕ ክትግበር ይግባእ።